
- 9 እወ/ኣይፋል ሕቶታት
- ዝኾነ ምዝገባ ኢ-መይል ኣይግበርን እዩ
ኣስተውዕል! ብኸቢድ ሓሚምካ እንተ ኣለኻ ዄንካ ምስ ኣገልግሎት ጥዕና ንኣብነት ምኽሪ ንምርካብ ምስ 1177 ርክብ ክትገብር ኣሎካ።
ኣስተውዕል! ብኸቢድ ሓሚምካ እንተ ኣለኻ ዄንካ ምስ ኣገልግሎት ጥዕና ንኣብነት ምኽሪ ንምርካብ ምስ 1177 ርክብ ክትገብር ኣሎካ።
Lungkollen (መርመራ ሳንቡእ) ዝኾነ መሳርሒ ነጸርታ ሕማም ኣይኮነን፡ ንናይ ሓደ ሓኪም ገምጋም እውን ኣይትክኦን እዩ፣ ይኹን’ምበር ናይ ሳንቡእ መንሹሮ ሓዊስካ ብዛዕባ ናይ ሳንቡእ ሕማማት ግንዛበ ንምዕባይ ዝዓለመ እዩ። ብዙሓት ናይ ሳንቡሕ ሕማማት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መጀመርታ ዘይንጹር ምልክታታት ሕማም እዮም ዘርእዩ፣ እቲ ዘሕዝን ድማ እዚ ኣብ ናይ ሳንቡእ መንሽሮ እውን ልሙድ ተርእዮ እዩ። ዘሻቕለካ ምልክት ሕማም እንተ ኣለካ ኾይኑ ወይ ምኽሪ ዘድልየካ እንተ ኾይኑ ሕክምና ክትደሊ ኣሎካ። ትሕዝቶ ናይዚ መርመራ መርበብ ብምትሕብባር ኣብ ዓውዲ ስነ-ጥረ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰርን ዋና ሓኪምን ዝኾነ ሚካኤል በርይክቪስትን ክኢላ ሓፈሻዊ ሕክምና ዝኾነ ፐር ሮንማርክን ዝተዳለወ እዩ።
ዘየቋርጽ፡ ሓድሽ ወይ ዝተቐየረ ምስዓል ኣለካ ድዩ?
እወ እንተ ኾይኑ፡ ምስዓል ልሙድን ብብዙሕ ብዝተፈላለየ ምኽንያታትን ክኸውን ይኽእል እዩ። ምስዓል ናይ መከላኸሊ ግብረ-መልሲ ኾይኑ ገለ ነገር ኣብ መስተንፈሲ ኣካላት ንዘሎ ልፋጫዊ መምብራና ኣብ ዘነድረሉ እዋን ዝጅምር እዩ። ባህሪ ዝቕይርን ብጣዕሚ ዘሳቕይን ወይ ከም ”ንነዊሕ ግዜ ዝጸንሓ ጕንፋዕ” ኮይኑ ዝስምዓኻ ምስዓል ኵሉ ግዜ ብሓደ ሓኪም ክምርመር ይግብኦ።
ካብ መስተንፈሲ ኣካላት ዝወጽእ ዓኽታ ከም ዝወሰኸ ኮይኑ ይስምዓካ ድዩ?
እወ እንተ ኾይኑ፡ ዓኽታኻ ከም ዝዛየደ ኮይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ምኽንያቱ ኣብ ደረቕን ዶራንን ቦታታት ብምጽናሕካ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ይኹን’ምበር ብምኽንያት ነድሪ መስተንፈሲ ኣካላት እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ንምርግጋጽ ምስ ማእከል ክንክን ጥዕናኻ ተራኺብካ ንኽትምርመር ክትሓቶም ጽቡቕ እዩ።
ጺጽ ዝብል/ዝፋጺ ምስትንፋስ ከም ዘለካ ኮይኑ ይስምዓካ ድዩ?
እወ እንተ ኾይኑ፡ ጺጽ ዝብል/ዝፋጺ ድምጺ መብዛሕትኡ ግዜ ሻምብቆ ምስትንፋስ ክጭበጥ ከሎን ዋሕዚ ንፋስ ክድረት ከሎን እዩ ዘጋጥም። እዚ ብምኽንያት ኣዝማ፡ ነ’ባር ሕማም ሳንቡእ ወይ ረኽሲ መስተንፈሲ ኣካላት ክኸውን ይኽእል እዩ። ከምኡ’ውን ብምኽንያት ካልኦት ናይ ልቢ ወይ ሳንቡእ ሕማማት እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ ዓይነት ምልክት ሕማም ይስምዓካ እንተ ኣሎ ኾይኑ ንቐጻሊ መርመራ ምስ ኣገልግሎት ሕክምና ርክብ ክትገብር ኣሎካ።
ብዙሕ ግዜ ረኽሲ ኣብ መስተንፈሲ ኣካላት ይገብረልካ ድዩ ወይ ድሕሪ ረኽሲ መስተንፈሲ ኣካላት ብምሉእ ኣይሓወኻን ዲኻ?
እወ እንተ ኾይኑ፡ ተደጋጋሚ/ንነዊሕ ዝጸንሕ ጸገም ናይ መስተንፈሲ ኣካላት ዝገብረልካ እንተ ኾይኑ ምስ ኣገልግሎት ሕክምና ክትራኸብ ኣሎካ። ጸገም ምስትንፋስ እንተ ገይሩልካ፡ ልዑል ረስኑ እንተ ኣለካ ኾይኑን ሓፈሻዊ ኵነታት ጥዕናኻ እንተ ብኢሱን ቀልጢፍካ ምስ ኣገልግሎት ሕክምና ርክብ ግበር። ተመላላሲ ረኽሲ እንተ ዝገብረልካ ኾይኑ፡ እዚ ካልኦት ናይ ሳንቡእ ሕማማት ከመልክት ስለ ዝኽእል ምናልባት ኣብ ናይ ሳንቡእ ክሊኒክ ብዝበለጸ ክምርመር ኣለዎ።
ብቐሊሉ ትንፋስ ከም ዝሓጽረካ ኾይኑ ይስምዓካ ድዩ?
እወ እንተ ኾይኑ፡ ብዙሓት ሰባት ምኽንያት ትንፋስ ምሕጻር ካብ ድኹም ብቕዓት ኣካላት ወይ ካብ መጠን ንላዕሊ ርጕዲ እዩ ኢሎም እዮም ዝኣምኑ። ኣብ ፈዅስ ጻዕሪ ወይ ኣብ እዋን ዕረፍቲ ትንፋስ ይሓጽረካ እንተ ኾይኑ ናይ ልቢ ወይ ናይ ሳንቡእ ሕማም ከመልክት ስለ ዝኽእል ቀልጢፍካ ምስ ኣገልግሎት ሕክምና ርክብ ክትገብር ኣሎካ።.
ኣብዚ ሕጂ እዋን ወይ ቅድሚ ሕጂ ንዶሮና፡ ጋዛት፡ ራዶን ወይ ኣስበትስ ትቃላዕ ኣለካ ወይ ተቓሊዕካ ኔርካ ዲኻ?
እወ እንተ ኾይኑ፡ ዶሮና፡ ጋዛት፡ ራዶን ወይ ኣስበትስ ንውሽጢ ምስትንፋስ ንጥዕናና ኣብ ሓደጋ የእትዎ እዩ። መስተንፈሲ ኣካላትና ናይ መኸላኸሊ ሜላታት ኣለዎ። ይኹን’ምበር እዞም ሜላታት ንነዊሕ ግዜ ምስ ትቃላዕ እኹላት ከይኮኑ ይኽእሉ እዮም።
ሽጋራ ተትክኽ ወይ ተትክኽ ነርካ ዲኻ?
እወ እንተ ኾይኑ፡ ትምባኾ ምትካኽ፡ንብዙሕ ዓይነት መንሹሮ፡ ናይ ልብን ሰራውር ደምን ሕማማት፡ ሕማም ሽኮርን ረኽሲ ኣብ መስተንፈሲ ኣካላትን ሓዊስኻ ብዙሕ ሕማማት ንኽትሓምም ዘሎ ተኽእሎ የዛይዶ እዩ። ምትካኽ ሽጋራ ምቍራጽ ኵሉ ግዜ ናይ ጥዕና ረብሓ ይህብን ወትሩ ጽቡቕን እዩ። ንዓኻ ምትካኽ ሽጋራ ከተቋርጽ እትደሊ፡ ኣገልግሎት ጥዕና ናይ ደገፍን ሓገዝን ዕድል ክህበካ ይኽእል እዩ። ሽጋራ ምትካኽ ኣቋሪጽካዮ እንተ ዄንካ፡ እንቋዕ ሓጐሰካ! ንጥዕናኻ ሓደ ኣዚዩ ጽቡቕ ነገር ኢኻ ገርካ፡ ካብ ምትካኽ ናጻ ምዃን ቀጽሎ።
ካብ መስተንፈሲ ኣካላትካ ደም ትስዕል ዲኻ?
እወ እንተ ኾይኑ፡ ደም ትስዕል እንተ ኣለኻ ዄንካ ብምኽንያት ነድሪ ወይ ረኽሲ ኣብ ስርዓተ ምስትንፋስ ክኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን’ምበር እዚ ምልክት ሕማም ብኻልኦት ምኽንያታት እውን ክግለጽ ይኽእል እዩ፣ መንሹሮ ሓደ ካብ ምኽንያታት ኮይኑ ብኣገልግሎት ሕክምና ብዝግበር መርመራ ካብ ግምት ክውገድ ኣለዎ።
ኣብ ኣፍልብኻ ወይ መንኩብካ ዘየቋርጽ ቃንዛ ይስምዓካ ድዩ ወይ ብዘይድልየትካ ክብደት ትቕንስ ኣለኻ ዲኻ?
እወ እንተ ኾይኑ፡: ንመርመራ ምስ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ርክብ ክትገብር ትምከር። ናቱ ምኽንያታት ኵሉ ካብ ሕማም ጽኪ ጕዕጕዕቲ ክሳብ ናይ ልብን ሳንቡእን ሕማማት ሓዊስካ ዝተፈላለየ ክኸውን ይኽእል እዩ። ግን ሕማም መንሹሮ እውን ካብ ግምት ንምውጻእ ብነጸርታ ክውገድ ኣለዎ።
እዚ መርመራ ሕጂ ተወዲኡ ኣሎ።
ካብ 8 ሕቶታት ን 9 'እወ' ኢልካ መሊስካሉ ኢኻ
ሓታሚት ዘይብልካ እንተ ዄንካ መብዛሕትኦም ኣንበብቲ መርበብ ሓበሬታ ብመገዲ እቲ ሕተሞ ዝብል መሳርሒ ነቲ ናትካ መልሲ ከም ሓደ ፒዲኤፍ ፋይል ክዕቅብዎ ይኽእሉ እዮም።